ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ምስ ትካል ስነ-ከባብን ዘላቂ ልምዓትን ትግራይ ብምትሕብባር ዓለም_ለኸ መዓልቲ ስነ ከባቢ” ( World Environmental Day)”ብኽለት ፕላስቲክ ንከለኸል (Combating Plastic Pollution)” ብዝብል ጭብጢ”ዓውደ መፅናዕቲ ኣካይዱ።
ኣብዚ መኽፈቲ ዓውደ መፅናዕቲ ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ፕሮፌሰር ገ/የሱስ ብርሃነ ካብ ትካላት ሃይማኖት፣ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ንዝመፁ ዕዱማት ኣጋይሽ ናይ እንኳዕ ደሓን መፃኹም መኽፈቲ መደረ ኣቅሪቦም። ብተወሳኺ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ካብ ዝምስረት ጀምሩ ብምምሃር ምስትምሃር፣ምርምር፣ ግልጋሎት ማ/ሰብን ዝተፈላለዩ ህዝባዊ መድረኻትን Read more






