ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ማሕበረሰብ ፀገማት ዝፈትሑ ስራሕቲ ምርምርን ምስጋግር ቴክኖሎጅን ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ዝርከቡ 95 ፕሮጀክትታት ምርምር እናተሰርሑ ምዃኖም ‘ውን ገሊፁ።
ፕረዝዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ገብረየሱስ ብርሃነ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ትካል ካብ ዘለዎ ነባራዊ ኩነታት ብምብጋስ ንማሕበረሰቡ ብቐጥታ ዝጠቕሙ ስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን ናብ ተግባር ንምቕያር ሰፊሕ ምንቅስቓስ እናገበረ ይርከብ።
ዩኒቨርሲታት ንሃገር ዝጠቅም ብቑዕ ምሁር ናይ ምፍራይ፣ ሳይንሳዊ ምርምር ናይ ምክያድን ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት ናይ ምሃብን ዓብይ ሃገራዊ ሓላፍነት ከምዘለዎም ብምጥቃስ፤ ብመንፅር ፀገማት እቲ ከባቢ ዝፈትሑ መፅናዕትን ምርምርን እቲ ዩኒቨርሲቲ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሰርሐ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ዝርከቡ 95 ፕሮጀክትታት ምርምር እናተሰርሑ ምዃኖም ገሊፆም።
እቶም ፕሮጀክትታት ከም ከም ኣድላይነቶም ብኣናእሽቱ፣ ማእከለዎትን ዓበይትን ተኸፊሎም ዝስርሑ ምዃኖም ዝገለፁ እቶም ፕረዝዳንት፤ ዝስርሑ መፅናዕትን ምርምርን ኣብ ወረቐት ጥራሕ ተሓፂሮም ከይተረፉ ውፅኢት ቴክኖሎጅታት ናብ ማሕበረሰብ ናይ ምውራድን ንህዝቢ ብተግባር ተሳታፊ ናይ ምግባርን ስራሕ ብሰፊሑ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ብወገን ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት ‘ውን ክሳብ ሐዚ 37 ሺሕ ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ፅሬት ትምህርቲ ንምሕላው ምስ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃርን ብዝተተሓሓዘ እቲ ዩኒቨርሲቲ ሰፊሕ ናይ ሪፎርም ስራሕቲ እናሰርሐ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ፕሬዝዳንት፤ ብፍላይ ሐዚ ዘሎ ዓለምለኻዊ ጭቡጥ ኩነታት መሰረት ብምግባር ስራሕቲ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ከምዝተጀመሩ ገሊፆም። ብዚ ድማ መምህራንን ተምሃሮን ካብቲ ዝነበረ ወረቐት መሰረት ዝገበረ ኣሰራርሓ ወፂኦም ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ስርዓት ንክጥቀሙ ስልጠናታት እናተወሃቡ ይርከቡ ኢሎም።
ብተወሳኺ ‘ውን ክለሳ ፕሮግራም፣ ምምሕያሽ ካሪኩለምን መለለዪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝኾኑ ቀንዲ ዓውድታት ምርምር ናይ ምልላይ ስራሕ ተሰሪሑ ናብ ተግባር ከምተኣተወ ኣረዲኦም።
ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ንሰላም ሃገርን ንልምዓት ኢኮኖሚን ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ፕሮፌሰር፤ ዩኒቨርሲቲ አክሱም ዝተወሃቦ ሃገራዊ ልኡኽ ንምውፃእ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ይርከብ። ተምሃሮ ‘ውን ግቡእ ፍልጠትን ክእለትን ጨቢጦም ንክወፁን ፅባሕ ተስፋ ሃገር ንክኾኑን ርእሶም ከዳልዉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ተልእኾ ሰላም ምርግጋፅ ናይ ዩኒቨርሲታት ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኩሎም መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ሓባራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ብምጥቃስ፤ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ‘ውን ወሲኾም ገሊፆም።
