ኣብዚ መኽፈቲ ዓውደ መፅናዕቲ ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ፕሮፌሰር ገ/የሱስ ብርሃነ ካብ ትካላት ሃይማኖት፣ ዝተፈላለዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ንዝመፁ ዕዱማት ኣጋይሽ ናይ እንኳዕ ደሓን መፃኹም መኽፈቲ መደረ ኣቅሪቦም። ብተወሳኺ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ካብ ዝምስረት ጀምሩ ብምምሃር ምስትምሃር፣ምርምር፣ ግልጋሎት ማ/ሰብን ዝተፈላለዩ ህዝባዊ መድረኻትን ብምድላው ኣብ ስነ- ከባቢ ክልልና፣ ሃገርና፣ ዘለናሉ ቀጠናን ዓለምናን ኣወንታዊ ትርጉም ዘለዎም ዝተፈላለዩ ንጥፈታት እንዳካየደ ይርከብ ምስ በሉ፤ እዚ ሎሚ መዓልቲ እነካይዶ ዘለና ዋዕላ እውን ኣብቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ግዘ ዘይህብ መደንገፂ ብርሰት ስነ ከባቢ ሓበራዊ ርድኢት ብምስፋሕ፣ ተሓባቢርናን ተዋሃሂድናን ብግዘ የለን ኣተሓሳስባ ናብ መፍትሒ ንምእታው ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ዋዕላ ህንፀት ፅባሕ ፡ ድምፅታት ናብ ውፅኢት ምቅያር (“Building Tomorrow Transforming Voices in to Impact “) ዝብል መበገሲ ሓሳብ ዝኸውን ፅሑፍ ብናይ ምርምርን ምትሕልላፍ ቴክኖሎጅን ምኽትል ፕረዚደንት ዶ/ር መኮነን ኣረጋይ ዝቐረበ እንትኸውን ፤ ፕረዚደንት ዩ/ኣኽሱም ፕሮፌሰር ገብረየሱስ ብርሃነ ድማ መዛተዪ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ነይሮም።
ኣብቲ ዝቀረበ መበገሲ ፅሑፍ ብተሳተፍቲ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርእቶታትን ቀሪቦም እዮም ።ነቶም ዝቀረቡ ሕቶታትን ርእቶታትን በቶም መዛተይቲ ኣካላት መልስን መብራህርህን ተዋሂቡ።
ኣብ መወዳእታ ብፁእ ኣውነ ሰሎማ ሊቀ ጳጳስ አውስትራሊያ ፣ኒውስላንድ፣ ላዕለዋይ ስብከት ወንጌልን ሃወርያዊ ተልእኾ መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ብመደረ ዓፅየሞ።
ኣብዚ ዓውደ መፅናዕቲ ካብ ትካላት ሃይማኖት፥ ኣመራርሓ ሰሜን ምዕራብ፣ አመራርሓ ዞባ ማእኸላይ፤ ካብ ኣመራርሓ ወረዳ ላዕላይ ማጨውን ከተማ ኣኽሱም፣ ካብ ኣብያተ ምኽሪ ወ/ላ/ማይ ጨውን ከተማ ኣኽሱምን ብውልቀ ዕድመ ዝተገበረሎም ኣካላትን ቤተ ማዛጋጃ ከተማ ኣኽሱምን ተረኺቦም ።
መልእኽቲ ናይዚ ዓውደ መፅናዕቲ “ንከባቢና ጠመተ ብምሃብ መፃኢና ነውሕስ! ተግባር ሕዚ” ዝብል እዩ።
ብቕዓት ብፃዕሪ!!!
ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም






