ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም 2 ሚልዮን ብር ዝግመት ሰብኣዊ ሓገዝ ንነበርቲ ጣብያ ያቔር ኣበርኪቱ።

ነሓሰ 7/2017 ዓ.ም

ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ጣብያ ያቔር ዘጋጠመ ድርቂ ዘስዐቦ ፀገም ንነበርቲ እቲ ጣብያ 2 ሚልዮን ብር ዝግመት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣበርኪቱ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ሎሚ ዕለት ሓምለ 7/2017 ዓ/ም 420 ኩንታል ዕፉንን ዝተፈላለዩ ብርክት ዝበሉ ጠቐምቲ ኣፋውስን ሓገዝ ኣበርኪቱ።

እዚ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ንማሕበራዊ ሓላፍነት ዘለዎ ተበግሶን ንዝተፀገሙ ማሕበረሰብ ዘለዎ ተወፋይነትን ዘርኢ ኾይኑ ፤ ዝተገብረ ሓገዝ እውን ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ኣብ ከባቢና ዝረአዩ ፀገማት ማሕበረሰብ ንምፍታሕ ኣካል ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ እዩ።

ነበርቲ ጣብያ ያቔር ብወገኖም ኣብ ቑርፂ እዋን ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ዝገበረሎም ሰብኣዊ ሓገዝ ብምምስጋን ካልኦት መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት፣ ሰብ ሃፍቲን ካሎኦት ገበርቲ ሰናይን እዉን ኣሰሩ ክስዕቡ ሓቲቶም።

እቲ ኸባቢ ብዘላቕነት ካብ ፀገም ንምውፃእ መፅናዕትን ምርምርን ንምክያድ ግዲኡ ንምብርካትን ኣብ ትሕቲ ምክትል ፕረዚደንት ምርምርን ስግግር ቴክኖሎጅን ዝርከብ ዳይረክተቶሬት ግልጋሎት ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ብ ዶክተር በርሀ ታፈረ ዝተመርሐ ልኡኽ እውን ንዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ናብቲ ቦታ ሰዲዱ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።

ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም

Written by 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *